ናይ ASsIST ዋትስኣፕ ቁፅሪ መስመር

+30 694 810 0477

ንሕቶታትኩም ብመንገዲ WhatsApp ብጽሑፍ ወይ ድምጺ መልእኽቲ ተጠቒምኩም ምስ ASsIST ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዘይካ ዓርቢ ድሕሪ 5 p.m ሰዓት ዝመጽእ መልእኽቲ  ንኹሉ ሕቶታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት መልሲ ክንህብ ዕላማ ኣለና

ገለ ሕቶታትኩም ህጹጽ ምዃኑ ሰለንርዳእ : ብዝተኽኣለ መጠን ቅልጡፍ ምስ ጠበቓ ከነራኽበኩም ወይ ዝድለኹሞ ሓገዝ ኣበይ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ መምርሒ ክንህበኩም ኢና።

መልእኽቲ ክትሰዱልና ከለኹም፡ ብዝቐልጠፈ መንገዲ ክንሕግዘኩም ዘኽእሉ ሰለስተ ነገራት  ክተካትቱ ንሕብር ንፎቱ።

  1. ትነብሩሉ ቦታ
  2. ትመርጽዎ ቋንቋ
  3. ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ሓጺር መግለጺ።

ምስ ሰላምታ

ASsIST